6 “ነቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ዝተፅሓፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፥ ካብኡ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይትብሉ፥ ፅንዑ።
እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ምእንቲ ኽቐንዐካስ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ፤ ከም ፍቓዱ ኸዓ ንበር፤ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ስርዓቱን ድማ ሓሉ።
ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ነገር ኣየንበርኩን፤ ንጠሓስቲ ሕጊ ፀላእኹ።
ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻሞ፥ ካብ ፍርድታትካ ኣይረሓቕኩን።
ንሳቶም ንልሳኖም ከም ቀስቲ ገይሮም፥ ሓሰት ይግትሩ ኣለዉ፤ ኣብ ምድሪ ብሓሰት በርትዑ፥ ግና ንሓቂ ኣይኮነን። ካብ ክፍኣት ናብ ክፍኣት ይኸዱ ኣለዉ፤ ንኣይ ኣይፈለጡንን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ፤
“ነዝ ዅሉ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ኣይትወስኹ፤ ካብኡውን ሓደኳ ኣይተጕድሉ።”
እምበኣር ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣይትበሉ።
ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን።
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።