4 ረአዩ! ንምድሪ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶምን ንምድሪ እዞም ዘጥፋእኽዎም ኵሎም ኣህዛብን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ፀሓይ፥ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕፃ ኸፈልኩልኩም።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ንኣኻ ምድሪ ከነዓን፥ ብፅሒት ርስትኻትኩም ክትኮነኩም ክህብ እየ።”
ህዝቢ እስራኤል ክመፁ እንተለዉ፥ ንኣህዛብ ካብ ቅድሚኣቶም ኣባረሮም፤ ንርስቱውን ብገመድ ኣካፈሎም። ንህዝቢ እስራኤልውን ኣብ ኣባይቶም ኣንበረ።
ተባዚሕኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ ኻብ ቅድሜኻ በብቑሩብ እየ ዘወግዶም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ንኣህዛብ ኣፅነትክዎም፤ ንግምብታቶም ድማ ኣዕነኹወን፤ ንመንገድታቶምውን፥ ሓደ እኳ ኸይሓልፈን ኣባደምክወን። ከተማታቶም ከዓ ዝነብረን ዘይብለን ኮይነን ዓነዋ።
“ነዞም ክትወርስዎም እትኸዱ ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣኣቶም ወሪስኩም ኣብ ምድሮም ክትቅመጡ ኢኹም።
እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸዓ እዚኣ እያ፦ ኵለን ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ጌሹራውያንን፥
ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።
ካብቶም ኢያሱ ኽመውት እንተሎ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ህዝብታት ደጊምስ ሓደ እኳ ኣይሰጕጕን እየ።