Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 23:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ንዓበይቶምን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ብዕድመውን ሸምጊለ እየ፤

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 23:2
11 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ዳዊት ሸምገለ፤ ዕድሚኡውን ነውሐ፤ ክዳውንቲ እንተ ደረቡሉኳ ኽመውቕ ኣይከኣለን።


ሰሎሞን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ዘለዎ ናብ ኢየሩሳሌም ከደይብዎ ኣከቦም።


ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤልን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ኣከቦም።


ሰሜኢ በዓል ኣርማቴም፥ ሓለቓ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበረ። ዘቢድ በዓል ሸፋም ድማ ናይቲ ኣብ ማዕኸናት ወይኒ ዝኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ሓለቓ ነበረ።


ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ኣሕሉቕ እቶም ንንጉስ ዘገልግሉ ሰራዊትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ነቶም ናይ ንጉስን ደቁን ገንዘብን ከፍትን ሃብትን ዘመሓድሩን፥ ነቶም ሹመኛታትን ነቶም ጀጋኑ ሰባትን ንዅሎም ሓያላት ተዋጋእትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።


ሕዚ ኸዓ ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኽዛረቦም እየ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ ምስክረይ ክኾኑ እዮም።


ኢያሱ ድማ ዕድመ ፀጊቡ ኣሪጉ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዊሕ ዘመን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፤ ገና ድማ እትተሓዝ ገፋሕ ምድሪ ተሪፋ ኣላ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ተዋጊኡልኩም እዩ፤ ኣብዞም ኵሎም ኣህዛብ እዚኣቶም ከዓ ምእንታኻትኩም ዝገበሮ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም።


ኢያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም። ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ።


ሕዚ ኸዓ እቲ ዝመርሐኩም ንጉስ እንሆ፤ ኣነ ኣሪገ እየ፤ ደቀይ ከዓ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም ከድኩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos