16 ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣተወልኩም ቃል ኪዳን እንተ ጠለምኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉን ክትሰግዱሎምን ድማ እንተ ኸድኩም፥ ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ክነድድ እዩ፤ ካብታ ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ድማ ቐልጢፉ ኸፍልሰኩም እዩ።”
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክወቕዖ እዩ። ከምቲ ሻምብቆ ኣብ ማይ ነነው ዝብል እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል ከምኡ ኽወቅዕ እዩ። ንእግዚኣብሄር ከቘጥዑ ጣዖታት ኣስታሮት ስለ ዝገበሩ፥ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሃቦም ፍርያም ምድሪ ኽነቕሎም፥ ናብ ሰገር ሩባ ኤፍራጥስውን ክብትኖም እዩ።
ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካባይ ከዲዕኹም ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ከዓ እንተ ዘይሓሊኹም፥ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥
ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ።
እዙይ ዝኾነ ኸዓ ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ባርነት ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ሓራ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዘምለኹን እዩ።
እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን የመና ስለ ዝተቘጥዐን እዩ። ካብ ቅድሚ ገፁ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።
ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤
ንሳቶም ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ግና ቓልካ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ዅሉ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበርዎን፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣውረድካሎም።
“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።
እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ከምቲ ንኣኣቶም ከጥፍኦም ዝሓሰብኩ ንኣኻትኩምውን ከጥፍአኩም እየ።”
ከይዱ ኸዓ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንፀሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ እንተ ኣምለኾምን እንተ ሰገደሎምን፥
“ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ንምፍፃም ድማ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ እዝ ዅሉ መርገም ክመፀኩም እዩ፤ ክረኸበኩምውን እዩ፦
ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ደኣ ኣምሊኽኩም ግና እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ቍጥዓኡ ኣባኻትኩም ነዲዱ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍአኩም እዩ።
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥
መሊስኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።”