Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 23:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ ዝተናገሮ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ከም ዝፍፀም ዝገበረ፥ ከምኡ ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘጠንቀቐኩም ክፉእ ነገር ከም ዝፍፀም ክገብር እዩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 23:15
18 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክወቕዖ እዩ። ከምቲ ሻምብቆ ኣብ ማይ ነነው ዝብል እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል ከምኡ ኽወቅዕ እዩ። ንእግዚኣብሄር ከቘጥዑ ጣዖታት ኣስታሮት ስለ ዝገበሩ፥ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሃቦም ፍርያም ምድሪ ኽነቕሎም፥ ናብ ሰገር ሩባ ኤፍራጥስውን ክብትኖም እዩ።


“ከምቲ ዅሉ ዝተዛረቦ ተስፋ፥ ንህዝቢ እስራኤል ዕረፍቲ ዝሃበ እግዚኣብሄር ይመስገን፤ ካብቲ ዅሉ ብሙሴ ባርያኡ ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ዘይተፈፀመ ነገር የለን።


ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም።


“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።


“ከምቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥፍኣት ዘውረድኩሎም፥ ከምኡ ድማ እቲ ዅሉ ዘተስፎኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ “ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንን፤ ፀዊዐዮም ከዓ ኣይመለሱን፤ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን፥ እቲ ዅሉ ዝተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ” ይብል ኣሎ።


ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥


ኣህዛብ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም፥ በዙይ ከዓ ኸም ቀደሞም፥ መስፈሪ ሓጢኣቶም ይመልኡ ኣለዉ። ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ድሮ ወሪዱ ኣሎ።


ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣርብዓ ዓመት ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።


ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸዓ፥ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ።


ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ እሞ፥ ናብ ኢድ ኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ እስራኤል ድማ ንኵሰርሰቴም ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።


ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ምድያማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos