Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 23:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትፈልሱ፥ ንኣኻትኩም መሐንኰልን መፃወድያን፥ ንእንግዳዕኹም መግረፊ፥ ነዒንትኹም ከዓ እሾዅ ክኾኑኹም እዮም እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውፅኦም፥ ብርግፅ ፍለጡ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 23:13
24 Referencias Cruzadas  

ሰሎሞን እናኣረገ ምስ ከደ እተን ኣንስቱ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምልኽ ንልቡ ኣዘንበላኦ፤ ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ከም ዝነበረ ልቢ ሰሎሞን ከምኡ ኣይነበረን።


ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብእስራኤል የመና ተቘጥዐ፤ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም። ነገድ ይሁዳ ጥራሕ በይና ተረፈት።


እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ሓደጎም፤ ኣዋረዶም፤ ካብ ገፁ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸዓ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሃቦም።


ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ህዝቢ ይሁዳ ብኸምዙይ ካብ ሃገሮም ተማሪኾም ከዱ።


ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሖም ነበሩ እሞ፥ ተሲኦም ናብ ግብፂ ኸዱ።


ማእዶም ኣብ ቅድሚኣቶም፥ ንመፃወድያ ንፍዳ ንዕንቅፋት ትኹኖም።


መኳንንቱ ድማ ንፈርዖን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዕንቅፋት ዝኾነና? ነዞም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ ስደዶም። ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ።


ንኣማልኽቶም እንተ ደኣ ኣምሊኽካ፥ እዙይ ንኣኻ መፈንጠር ክኾነካ እዩ እሞ፥ ከየስሕቱኻ እሞ ንኣይ ከም እትብድል ከይገብሩኻ፥ ኣብ ምድርኻ ኽነብሩ ኣይትፍቀደሎም።”


ኣብ ማእኸልኩም መፈንጠር ከይኾኑስ፥ ምስቶም ኣብታ ንስኻትኩም እትኣትዉዋ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኪዳን ከይትተኣታተዉ ተጠንቀቑ።


እተን ኣጓላቶም ከዓ ደድሕሪ ኣማልኽተን ክስዕባ እንተለዋ፥ ንደቅኹም ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከም ዝስዕቡ ኸይገብራኦም፥ ኣጓላቶም ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።”


“ድሕሪዙይ ንቤት እስራኤል፥ ኣብ ኵሎም እቶም ዘቃልልዎም ጐረባብቶም፥ ዝወግእ እሾዅ ወይ ዘሕምም ተዀርባ ኣይህሉን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”


ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ግና፥ “እቶም ካብኣቶም ዘትረፍኩምዎም፥ ኣብ ኣዒንትኹም እሾዅ፥ ኣብ ጐድኒኹም ከዓ ዳንዴር ክኾኑኹም እዮም፤ ኣብታ እትነብርዋ ሃገር ከጨንቑኹም እዮም።


ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።


እግዚኣብሄር ብዅራን ብንደትን ብዓብዪ ቝጥዓን ካብ ሃገሮም ንቕል ኣቢሉ ኸምዝ ሎሚ ኾይኖምዎ ዘለዉ፥ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።’


ብርግፅ ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ እነግረኩም ኣለኹ። ኣብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ መዋእልኩም ክሓፅራ እየን።


ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣሕሊፉ ንዝህበኩም ኵሎም ኣህዛብ ኣጥፍእዎም፤ ዓይንኹምውን ኣይራህርሀሎም። ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ከይኾኑኹም፥ ኣይተምልኽዎም።


ንሳቶም ከዓ፥ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ፥ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም፥ ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም።


ካብቶም ኢያሱ ኽመውት እንተሎ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ህዝብታት ደጊምስ ሓደ እኳ ኣይሰጕጕን እየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos