Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 23:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 “እንተ ኸሓድኩም እሞ ምስ እዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ኣህዛብ እንተ ተሓወስኩም፥ ምስኣቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፥ ከምኡውን ብመውስቦ ምስኣቶም እንተ ተሓዋወስኩም፥

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 23:12
28 Referencias Cruzadas  

ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ይሓድግ፤ ምስ ሰበይቱ ኸዓ ይዋሃድ፤ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ ይኾኑ።


ልቡ ድማ ብፍቕሪ ዲና ጓል ያእቆብ ተማረኸ እሞ ፈተዋ፤ ንልባ ብዘሐጕስ ነገርውን ተዛረባ።


እዚኣተን ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ “ንሳቶም ንልብኹም ብርግፅ ናብ ኣማልኽቶም ከዘንብልዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ናብኣቶም ኣይትኪዱ፥ ንሳቶምውን ናባኻትኩም ኣይምፅኡ” ምስ ዝበሎም ኣህዛብ፥ ሰሎሞን ብፍቕረን ተትሓዘ።


ሰሎሞን እናኣረገ ምስ ከደ እተን ኣንስቱ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምልኽ ንልቡ ኣዘንበላኦ፤ ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ከም ዝነበረ ልቢ ሰሎሞን ከምኡ ኣይነበረን።


ነቶም ናብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ዝምለሱ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ ዓመፅ ክወስዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።


ቃል ኣፉ ግፍዕን ጥበራን እዩ፤ ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ።


ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ።


“እቲ ፃድቕከ ኻብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ፥ ከምቲ ሓጢኣተኛ ዝገብሮ ዅሉ ፅያፍ ነገርውን እንተ ገበረ፥ ብህይወትዶ ኽነብር እዩ? ኻብቲ ዝገበሮ ፅድቂ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከርን እያ፤ በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ክመውት እዩ።


ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”


ድሕሪዙይ ይኸይድ እሞ፥ ካብኡ ዝገደዱ ሸውዓተ ኻልኦት ርኹሳት መናፍስቲ ሒዙ ይመፅእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሓድሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ይኸውን፤ ነዝ ኽፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ፥ ከምኡ ክኾኖ እዩ።”


በዝ ነገርዙይውን ካብ ሽዑ ጀሚሮም፥ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመለሱ፤ ምስኡውን ኣይከዱን።


ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።


ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ደኣ ኣምሊኽኩም ግና እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ቍጥዓኡ ኣባኻትኩም ነዲዱ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍአኩም እዩ።


ኣይትዋሰብዎም፤ ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።


እንተ ዘይኮነ ደቅኹም፥ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኸምልኹ ኻብ እግዚኣብሄር ከርሕቕዎም እዮም እሞ፥ እግዚኣብሄር የመና ኽቝጥዐኩም እዩ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ኸጥፍአኩም እዩ።


ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ ንባዕልኻትኩም ሓልዉ።


“ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዝብል፥ ንሓዉ ግና ዝፀልእ፥ ገና ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ።


ኣቦኡን እኖኡን ድማ “ካብቶም ዘይግሩዛት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ ኽተእቱ እትኸይድስ፥ ኣብ ኣዝማድካን ኣብ ህዝብናንዶ ጓል ስኢንካ ኢኻ?” በልዎ። ሶምሶን ከዓ ነቦኡ “ብዓይነይ ባህ ኢላትኒ እያሞ፥ ንኣኣ ደኣ ኣምፅኡለይ” በሎ።


ኣጓላቶም ከዓ ኣንስቲ ክኾናኦም ወሰዱ፤ ንሳቶምውን ኣጓላቶም ነወዳቶም ሃቡ፤ ንኣማልኽቶምውን ኣምለኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos