Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 23:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ ንባዕልኻትኩም ሓልዉ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 23:11
17 Referencias Cruzadas  

ንዝፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዝሕልዉን ግና ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።


ህይወት ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እሞ፥ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።


“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!


ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና።


ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ!


ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር ግና፥ ንሱ ብእግዚኣብሄር ፍሉጥ እዩ።


እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ።


ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን ክትበዝሑን፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ፥ ብመንገዱ ኸዓ ኽትከዱ፥ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ፍርድታቱን ድማ ኽትሕልዉ፥ ኣነ ሎሚ እእዝዘኩም ኣለኹ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ህይወትኩም እዩ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽህበኩም እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ቃሉ ድማ ስምዑ፤ ናብኡውን ቅረቡ።”


በታ እግዚኣብሄር ኣብ ኮሬብ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ዝተዛረበኩም መዓልቲ ሓደ መልክዕ እኳ ኣይረአኩምን እሞ፥ ተጠንቂቕኩም ነፍስኻትኩም ሓልዉ።


“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።


ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።


ግና እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ተጠንቂቕኩም ሓልዉ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍተውዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ኺዱ፤ ትእዛዛቱ ድማ ፈፅሙ፤ ናብኡውን ቕረቡ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ከዓ ኣምልኽዎ” በሎም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዝተዛረበኩም፥ ንሱ እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንሽሕ ክሰጎም እዩ።


“እንተ ኸሓድኩም እሞ ምስ እዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ኣህዛብ እንተ ተሓወስኩም፥ ምስኣቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፥ ከምኡውን ብመውስቦ ምስኣቶም እንተ ተሓዋወስኩም፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos