10 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዝተዛረበኩም፥ ንሱ እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንሽሕ ክሰጎም እዩ።
ስም እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ እዩ፦ ኢያቡስቴ ዝበሃል ከነዓናዊ፥ ርእሲ እቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ፤ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሸሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ።
ናብ እግዚኣብሄር ስለ ዘእወዩ እግዚኣብሄር ከዓ ረድኦም፤ ንሃግራውያንን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎምን ከዓ ኣብ ኣእዳዎም ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ጊዜ ውግእ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ እሞ፥ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ሰምዖም።
እቲ ውግእ ካብ እግዚኣብሄር ነበረ እሞ፥ ብዙሓት ሰባት ተወጊኦም ወደቑ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ከዓ ኽሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።
ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም፤ ነቶም ዝዋግኡኒውን ተዋግኣዮም።
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብውን መፀግዒና እዩ።
እግዚኣብሄር ክዋግአልኩም እዩ እሞ ህድኡ” በሎም።
ብምፍርራሕ ሓደ ሰብኣይ፥ ካባኻትኩም ሽሕ ሰባት ክሃድሙ እዮም። ኣብ ልዕሊ ጫፍ እምባ ኸም ዝተተኸለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ኸም ዝቖመ ምልክት ኴንኩም ክሳዕ እትተርፉ፥ ኵልኹም ክትሃድሙ ኢኹም። ካብ ምፍርራሕ ሓሙሽተ ሰባት ዝተልዓለ ኽትሃድሙ ኢኹም።
ንፀላእትኹም ተሳጕጉዎም፤ ንሳቶም ድማ ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ የሳጕጉዎም፤ ሚእቲ ኻባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ የሳጕጉዎም፥ ፀላእትኹም ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኽምክተሎም እዩ፤ ካብ መንጎኣቶም የመና ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ። ቤት ዳዊትውን ቀቅድሚኣቶም ከም ዝኸይድ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ኣምላኽ ክኾኖም እዩ።
እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
‘ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኣለኹም፤ እቲ ምእንቲ ኸድሕነኩም፥ ምስ ፀላእትኹምውን ክዋጋእ ምሳኻትኩም ዝኸይድ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትደንግፁ፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ኣይትጃጅዉ’ ይበል።
“ነቶም ዝለዓሉኹም ፀላእትኹም፤ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኹም ተስዓርቲ ኽገብሮም እዩ፤ ብሓንቲ መንገዲ ኽመፁኹም እዮም፤ ካብ ቅድሜኹም ድማ ብሸውዓተ መንገዲ ኽሃድሙ እዮም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም’ ኢለ ኣዘዝክዎ።
በለ ድማ፦ ‘ንሳቶም ከዳዓት ትውልዲ፥ እምነት ዘይብሎም ውሉድ እዮም እሞ፥ ገፀይ ክሓብአሎም እየ፤ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።’
ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም? እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግአላ ስለ ዝነበረ፥ ኢያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓደ ጊዜ ሓዘ።
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ ንባዕልኻትኩም ሓልዉ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ተዋጊኡልኩም እዩ፤ ኣብዞም ኵሎም ኣህዛብ እዚኣቶም ከዓ ምእንታኻትኩም ዝገበሮ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም።
ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ረኸበ፤ ብእኡ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰባት ቀተለ።
ብድሕሪኡ ድማ ሰሜጋር ወዲ ዓናት ተልዓለ፤ ንሱ መውግኢ ብዕራይ ገይሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ቀተለ። ንሱውን ንእስራኤል ኣድሓኖም።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።