1 ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ነዊሕ ዘመን ምስ ሓለፈ፥ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኣቶም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ምስ ኣዕረፎም፥ ኢያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፥
ኣብርሃም ፅቡቕ መዋእል ረኺቡ፥ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።
ንጉስ ዳዊት ሸምገለ፤ ዕድሚኡውን ነውሐ፤ ክዳውንቲ እንተ ደረቡሉኳ ኽመውቕ ኣይከኣለን።
ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ዕረፍቲ ሂብዎ እዩ። ካብ ሕዚ ንዘለኣለም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ክነብር እዩ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰሪዖም ነበሩ፦ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ኣሽሓትን ኣሕሉቕ ሚእትታትን፥ እቶም ብዅሉ ናይ ክፍልታት ሰራዊት ንንጉስ ዘገልግልዎ መኳንንቶምን ኮይኖም ተሰርዑ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ብዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ዝቖመ ነበረ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ምስ ካልእ ክፍሊ ሰራዊት ኣብ ወወርሒ እናተለዋወጠ ዅልሻዕ የገልግል ነበረ።
ኣብያ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ብዘመኑ ኸዓ እታ ሃገር ንዓሰርተ ዓመት ሰላም ረኸበት።
ነቲ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ናይ ዀረብታ መስገዲታትን ምስልታት ፀሓይን ኣወገዶ፤ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ህድኣት ረኸበት።
መንግስቲ ኢዮሳፍጥ ከዓ ህድኣት ረኸበት፤ እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሃቦ።
ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።
ከምቲ ኸፍቲ ናብ ለሰ ወሪደን ዘዕርፋ፥ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብፅሖም። ንርእስኻ ኽቡር ስም ምእንቲ ኽትገብር ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕኻዮም።
“ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ፤ ደጊም ክወፅእን ክኣቱን ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ድማ ‘ነዝ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ።
ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።
ኢያሱ ድማ ዕድመ ፀጊቡ ኣሪጉ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዊሕ ዘመን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፤ ገና ድማ እትተሓዝ ገፋሕ ምድሪ ተሪፋ ኣላ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም፥ ብዅሉ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንዅሎም ፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም ካብ ኵሎም ፀላእቶም ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚኣቶም ደው ክብል ኣይከኣለን።
ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ።
ሕዚ ኸዓ እቲ ዝመርሐኩም ንጉስ እንሆ፤ ኣነ ኣሪገ እየ፤ ደቀይ ከዓ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም ከድኩ።