9 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ።
ኣብ ልዕሊ ገለዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ኢይዝራኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።
መጓሰታቶም ኣብ ሃገር ገለዓድ በዚሐን ነበራ እሞ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኻብ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዘእቱ ይቕመጡ ነበሩ።
ገለዓድ ናተይ እዩ፤ ምናሴውን ናተይ እዩ፤ ኤፍሬም መፀግዒ ርእሰይ እዩ፤ ይሁዳውን ንጉሰይ እዩ።
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን የመና ብዙሓት እንስሳ ነበራኦም። እንሆ ኸዓ፥ ምድሪ ኢያዜርን ምድሪ ገለዓድን ቦታ እንስሳ ኸም ዝኾነ ረአዩ።
ሙሴ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እዝ ነገርዙይ እንተ ጌርኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ንውግእ ኣፅዋር እንተ ሒዝኩም፥
ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኵሉ እንስሳትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ገለዓድ ይኹኑ።
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፥ ምሳኻትኩም ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፥ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፥ ሽዑ ነታ ምድሪ ገለዓድ ርስቲ ኽትኮኖም ሃብዎም።
“በታ ጊዜ እቲኣ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትወርስዋ ሂቡኩም እዩ፤ ሰብ ሓይሊ ዝኾንኩም ኣፅዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።
እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ከማኻትኩም ክሳዕ ዘዕርፎም፥ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርስዋ፥ ፅንሑ። ድሕሪቱይ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሃብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ’ ኢለ ኣዘዝኩኹም።
ሙሴ ድማ ኻብ ጐልጐል ሞኣብ ናብ እምባ ናባው፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ዘሎ ፈስጋ ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅላ ሃገር ገለዓድ፥ ክሳዕ ከተማ ዳን ኣርኣዮ።
ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥
ወሰኖም ኢያዜርን ኵለን ከተማታት ገለዓድን ፍርቂ ምድሪ ደቂ ኣሞን ክሳዕ እታ ኣብ መንፅር ረባት ዘላ ዓሮዔር ነበረ።
ፍርቂ ገለዓድ፥ ኣብ ባሳን ዝርከባ ኸተማታት መንግስቲ ዓግ ዝሓውስ ኣስታሮትን ኤድሬዒን እዩ። እዙይ ንፍርቂ ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኸከም ዓሌቶም ተውሃበ።
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ከነዓን ምስ መፁ፥ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ዓብዪ መሰውኢ ሰርሑ።
ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወፁ። እቲ ማሕበርውን ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህን ካብ ምድሪ ገለዓድንውን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ።
ገለዓድ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐመጠ፤ ዳንከ ስለ ምንታይ ኣብ ውሽጢ መራኽብ ተረፈ? ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ፤ ኣብ ወደባቱ ኸዓ ዓረፈ።