8 “ምስ ብዙሕ ሃብቲ፥ ምስ ብዙሕ እንስሳ፥ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ነሃስን ምስ ሓፂንን፥ ምስ ብዙሕ ኽዳውንትን ናብ ኣባይትኹም ተመለሱ፤ ነቲ ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ” እውን በሎም።
መጓሰታቶም ኣብ ሃገር ገለዓድ በዚሐን ነበራ እሞ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኻብ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዘእቱ ይቕመጡ ነበሩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመንግስቲ ይሁዳ ኣብ ኢዱ ኣፅንዓ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮሳፍጥ ገፀ በረኸት ሃቡዎ፤ ሃብትን ክብረትን ከዓ በዝሐሉ።
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ የመና ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን፥ ንቐመማትን፥ ንዋላቱን፥ ክቡር ንዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑን ዝኸውን ቤት መዛግብቲ ሰርሐ።
ናይ ሰራዊት ነገስታት ቀልጢፎም ይሃድሙ፤ እታ ኣብ ገዛ እትነብርውን ምርኮ ተኻፈለት።
ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፥ ኣብ ፀጋማ ኸዓ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።
ነቲ ምርኮ ኸዓ ፍርቁ ነቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእቲ፥ ፍርቁ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ማዕረ ጌርኩም ምቐልዎ።
ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ።
ንሱ መሪሑ ምስ ወሰዶ ኸዓ እንሆ፥ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝዘመትዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ።
በዝ ነገር እዙይ ደኣ መን ክሰምዐኩም እዩ? ግደ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉን፥ ግደ እቶም ኣቑሑ ዝሓለዉን ሓደ እዩ እሞ፥ ኵሎም ማዕረ እዮም ዝማቐሉ” በሎም።