6 ሽዑ ኢያሱ መሪቑ ኣፋነዎም፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ዓዶም ተመለሱ።
ንሱ ድማ ንኣብራም “ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ይባርኽካ።
ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መሪቑ ኻብኡ ወፀ።
ሽዑ ዮሴፍ ነቦኡ ያእቆብ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦ። ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መረቖ።
ዳዊት ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፥ ነቲ ህዝቢ ብስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ባረኾ።
ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ጉማድ ስጋን ሓደ ጎጎ ዘቢብን ሃቦም። ድሕሪዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ ነናብ ገዛኡ ተመለሰ።
ዳዊትውን ንቤተሰቡ ኽባርኽ ተመለሰ። ሜልኮል ጓል ሳኦል ከዓ ንዳዊት ክትቅበሎ ወፂኣ፦ “ከንቱ ዝኾነ ሰብ ከም ዝቕላዕ፥ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ቘናጁ ባሮቱ፥ ዕርቃኑ ብምግላፁ ኸመይ ከበረ!” በለቶ።
በታ ሻምነይቲ መዓልቲ፥ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፤ ንሳቶም ከዓ ንንጉስ መረቕዎ፤ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ደስ ኢልዎም ብሕጉስ ልቢ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።
ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ኻብ ነገድ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ከምቲ ሕጊ እንተይነፅሁ በጊዕ ፋሲካ በልዑ። ንጉስ ሕዝቅያስ ግና “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! እቲ ብቕኑዕ ልቢ ንኣኻ ዘምለኸ፥ ከም ሕጊ ዘይነፅሀኳ እንተ ኾነ ብሕያዋይነትካ ይቕረ በለሉ” ኢሉ ለመነ።
ሙሴ ድማ ንዅሉ ስራሕ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሮም ከም ዝሰርሕዎ ሪኡ ባረኾም።
ስምኦን ከዓ ባረኾም፤ ንኖኡ ማርያም ድማ “እንሆ እዝ ህፃን እዙይ፥ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትሳኦምን፥ ከምኡውን ንዝቃወምዎ፥ ምልክት ኮይኑ ተሸይሙ እዩ።
ሽዑ ኢየሱስ ንወፃኢ፥ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፤ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
ኢያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ መረቖ፤ ርስቲ ኽትኮኖ ኸዓ ንኬብሮን ሃቦ።
ሽዑ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ነናብ ርስቶም ሰደዶም።
ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ሕግታት መንግስቲ ነገሮም፤ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ዅሉ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ።
ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።
ኤሊ ድማ ንሕልቃናን ንሰበይቱን ይምርቖም ነበረ። ንሕልቃና ኸዓ “ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘወፈየቶ፥ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሃብካ” ይብሎ ነበረ። ብድሕሪኡ ናብ ቦታኦም ይምለሱ ነበሩ።