Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 22:34 - መፅሓፍ ቅዱስ

34 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ” ኢሎም ነቲ መሰውኢ “ምስክር” ኢሎም ሰመይዎ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 22:34
8 Referencias Cruzadas  

ላባ ነቲ ዅምራ እምኒ “ኵምራ ምስክር” ኢሉ ሰመዮ፤ ያእቆብ ከዓ “ገለዓድ” ኢሉ ሰመዮ።


ላባ ድማ፥ “ሎሚ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን” በለ። ስለዙይ ስሙ ገለዓድ ተብሃለ።


ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ! እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ!” በሉ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ሃገር ግብፂ፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽስራሕ እዩ፤ ኣብ ወሰና ኸዓ ንእግዚኣብሄር ዓምዲ ኽትከል እዩ።


“ኦ እስራኤል፥ ኣምላኽኩም ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ምእንቲ ኽተስተውዕሉን ክትፈልጡን ንስኻትኩም መሰኻኽረይን፥ ዝሓረኹኹም ባሮተይን ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።”


ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ” በሎ።


ንመፃኢ ግና ደቅኹም ንደቅና “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ምእንቲ ኸይብልዎም ንእግዚኣብሄር ብዝቃፀል መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ምስጋናን ኣብ መቕደሱ ኸም እነምልኾ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ብድሕሬና ኸዓ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ምእንቲ ክኸውን ነዝ መሰውኢ እዙይ ነደቕና።


ኢያሱ፥ ነቶም ኵሎም እቶም ህዝቢ “እንሆ፥ እዝ እምኒ እዙይ ነቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበና ዅሉ ቓል ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ምስክር ክኸውን እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣምላኽኩም እንተ ኸሓድኩምዎ ንሱ ምስክር ክኸውን እዩ” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos