32 ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም ሹመኛታትን ካብቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዘለውዎ ምድሪ ገለዓድ ናብ ምድሪ ከነዓን ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሱ፤ ነቲ ዝኾነ ነገራት ድማ ነገርዎም።
ብጊዜ ቐውዒ ዛሕሊ ኣስሓይታ ከም ዘሐጉስ፥ እሙን ልኡኽ ድማ ነቲ ዝለኣኾ ኸምኡ እዩ፤ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የዕርፋ እዩሞ።
ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን “በዙይ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፥ እግዚኣብሄር ምሳና ኸም ዘሎ፥ ሎሚ ፈለጥና፤ ሕዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም” በሎም።
እቲ መልሲ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣሐጐሶም እሞ፥ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ድሕሪዙይ ከዓ፥ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዝነብርዋ ምድሪ ኸጥፍእዋ “ክንዋጋእ ንኺድ” ኢሎም ኣይተዛረቡን።