Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 22:30 - መፅሓፍ ቅዱስ

30 ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን፥ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዝተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፥ ተሓጐሱ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 22:30
11 Referencias Cruzadas  

ኣጓላት ከነዓንውን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ፅሉኣት ከም ዝኾና ኤሳው ረአየ።


እዝ ነገር እዙይ ንንጉስን ንዅሉ እቲ ህዝብን ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮም።


እዝ ምኽሪ እዙይ ድማ ንንጉስን ንሹመኛታቱን ደስ ኣበሎም እሞ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ።


ልዙብ መልሲ ንቝጥዓ የህድኦ፤ ተሪር ቃል ግና ንቝጥዓ የለዓዕሎ።


ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።


“ንሕናስ ብዘይ እቲ ኣብ ቅድሚ መሕደሪ ዘሎ መሰውኢ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፥ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽዳዕን ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳልን የድሕነና።”


ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን “በዙይ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፥ እግዚኣብሄር ምሳና ኸም ዘሎ፥ ሎሚ ፈለጥና፤ ሕዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም” በሎም።


እቲ መልሲ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣሐጐሶም እሞ፥ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ድሕሪዙይ ከዓ፥ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዝነብርዋ ምድሪ ኸጥፍእዋ “ክንዋጋእ ንኺድ” ኢሎም ኣይተዛረቡን።


ኣምላኽውን ነቶም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ኣብ ኢድኩም እዩ ኣሕሊፉ ዝሃበኩም፤ ኣነ ድኣ ምስ እዙይ ዝወዳደር እንታይ ሰሪሐ?” ሽዑ እዝ ዘረባዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ቍጥዓኦም ሃድአ።


ሽዑ ኣንኩስ ንዳዊት ፀዊዑ “ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝኾንካ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብታ ናባይ ዝመፃእኻላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኽፉእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፥ ኣብዝ ሰራዊት እዙይን ምሳይ ምውፃእኻን ምእታውካን ሰናይ እዩ። ነዞም ኣሕሉቕ ግና ደስ ኣየበሎምን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios