3 ንስኻትኩም ካብ ነዊሕ ጊዜ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩምውን ፈፂምኩም ኢኹም።
“ንስኻትኩም እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኵሉ ሓሊኹም ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኹም እውን ጌርኩም ኢኹም።
ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ።