26 በዙይ ከዓ ኢና “መሰውኢ ንንደቕ፤ ግና ንዝቃፀል መስዋእትን ንመስዋእቲ ሕሩድን ኣይኹን” ዝተበሃሃልና።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ሃገር ግብፂ፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽስራሕ እዩ፤ ኣብ ወሰና ኸዓ ንእግዚኣብሄር ዓምዲ ኽትከል እዩ።
ንመፃኢ ግና ደቅኹም ንደቅና “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ምእንቲ ኸይብልዎም ንእግዚኣብሄር ብዝቃፀል መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ምስጋናን ኣብ መቕደሱ ኸም እነምልኾ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ብድሕሬና ኸዓ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ምእንቲ ክኸውን ነዝ መሰውኢ እዙይ ነደቕና።
“ንሕናስ ብዘይ እቲ ኣብ ቅድሚ መሕደሪ ዘሎ መሰውኢ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፥ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽዳዕን ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳልን የድሕነና።”
ሽዑ ጌዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰላም እዩ” ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ።