24-25 ንሕና ግና ንመፃኢ ደቅኹም ንደቅና “ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣለኩም? እግዚኣብሄር ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ንዮርዳኖስ ወሰን ገይሩልና እዩ እሞ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከም ዝሓድጉ ኸይገብርዎም ኢልና ኢና ነዙይ ዝገበርናዮ።
ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
ካብ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ክትፀባፀብ ምስ መፃእኻ፥ ሽዑ ቕኑዕ ምዃነይ ክትርኢ ኢኻ። ውርውራይ ዘይኮና ኣጣል፥ ውፁኣት ፀለምቲ ዘይኮና ኣባጊዕ ኣባይ እንተ ተረኽባ፥ ከም ዝተሰርቃ ይቈፀረኒ” በሎ።
“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።
“ብዳሕረዋይ ዘመን ‘እዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ?’ ኢሎም ደቅኹም እንተ ጠየቑኹም፥
ካብ እግዚኣብሄር ክንከድዕ ኢልና፥ ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነቕርበሉ፥ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ክንገብረሉ ኢልና እንተ ደኣ ዄንና እግዚኣብሄር ባዕሉ ይበቀለና።”
እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ንምልክት ክኸውን እዩ፤ ደቅኹም ብዝመፅእ ጊዜ ‘ናይዝ ኣእማን እዙይ ነገር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንትጥይቑኹም፥