Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 22:23 - መፅሓፍ ቅዱስ

23 ካብ እግዚኣብሄር ክንከድዕ ኢልና፥ ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነቕርበሉ፥ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ክንገብረሉ ኢልና እንተ ደኣ ዄንና እግዚኣብሄር ባዕሉ ይበቀለና።”

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 22:23
10 Referencias Cruzadas  

ግና ህይወት ኣብ ደም እዩ እሞ፥ ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ።


ንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ዮዳሄ ኣቦ ዘካርያስ ዝገበረሉ ሰናይ ረስዖ፤ ንወዱ ዘካርያስ ድማ ኣቕተሎ። ዘካርያስ ግና ኽመውት እንተሎ “ነዝ እትገብሮ ዘለኻስ እግዚኣብሄር ይርአዮ፤ ንሱውን ይፍረድ” በሎ።


ኣነ ነቲ ሓጢኣተኛ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ፥ ምስ በልክዎ፥ እንተ ዘየጠንቀቕካዮ፥ ካብ መንገዲ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፥ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘየጠንቀቕካዮን፥ እቲ ሓጢኣተኛ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።


እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኽመፅእ እንተሎ እንተ ረአየ፥ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ዘየጠንቀቖም፥ ሰይፊ መፂኡውን ንሓደ ኻብኣቶም እንተ ወሰዶ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ይውሰድ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።”


ኣነ ነቲ ሓጥእ “ኣታ ሓጥእ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ” እንተ በልክዎ፥ ንስኻ ኸዓ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ ኢልካ፥ ክጥንቀቕ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፥ እዝ ሓጥእ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ እየ ዝደልዮ።


ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ።


ብስመይ ክዛረብ እዩ፤ ንእኡ ምስማዕ ዝኣበየ ሰብ ግና ኽቐፅዖ እየ።


ንሕና ግና ንመፃኢ ደቅኹም ንደቅና “ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣለኩም? እግዚኣብሄር ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ንዮርዳኖስ ወሰን ገይሩልና እዩ እሞ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከም ዝሓድጉ ኸይገብርዎም ኢልና ኢና ነዙይ ዝገበርናዮ።


ሽዑ ዮናታን “እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቲ ዳዊት ይድለዮ” ኢሉ፥ ምስ ቤት ዳዊት ቃል ኪዳን ኣተወ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos