22 “እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ይፈልጦ እዩ፤ ህዝቢ እስራኤልውን ይፍለጦ፤ ንእግዚኣብሄር ክንብድልን ንኡኡ ኽንከድዕን ኢልና እንተ ደኣ ጌርናዮ ዄንና፥ ሎሚ መዓልቲ እንተየናሕሰኹም ቅተሉና።
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረ ኸዓ በል፤ ርድኣዮውን፤ ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኽፈርሑኻስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፥ ከከም መንገዱ ኽፈሎን ሃቦን።
ኣብ ልዕሊ እዙይውን በዳሊ ኸም ዘይኮንኩ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ኢድካ ዘናግፍ ከም ዘየለውን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።”
ንሱ ግና ኣነ በየነይቲ መንገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፤ ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ።
ቅልፅመይ፥ ካብ መንኰበይ ይፈለ፤ ኢደይውን ኣብቲ ዅርናዕ ይሰበር።
ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ንፅድቅኻ ኸም ብርሃን፥ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸምፅአልካ እዩ።
ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ፅድቅኻ ነገርኩ፤ እንሆ፥ ንኸናፍረይ ኣይክልክልን፤ ኦ ጐይታ ንስኻ ፅድቀይ ትፈልጥ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ነዙይዶ ኣይምርምሮን ነይሩ? ንሱ ልቢ ዝሰወሮ ይፈልጥ እዩሞ።
ንሕና ግና ምእንታኻ ዅልሻዕ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ኮንና።
ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ እግዚኣብሄር ተናገረ፤ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መዕረቢኣ፥ ንምድሪ ፀውዓ።
እግዚኣብሄር ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ቖመ፤ ኣብ ማእኸል ኣማልኽቲውን ይፈርድ።
እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ እዩ እሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።
ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።
ኦ እግዚኣብሄር ንኣይ ግና፥ ትፈልጠኒ፥ ትሪአኒ፥ ብዛዕባኻ ዘለኒ ሓሳብውን ንስኻ ትምርምር ኢኻ። ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕ ኰብኵቦም፥ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፈሊኻ ኣዳልዎም።
ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
እቲ ንጉስ ንዳንኤል “ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልፃ ኻብ ከኣልካስ፥ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን፥ ጐይታ ነገስታትን፥ ገላፂ ምስጢራትን እዩ” በሎ።
ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ።
ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።
ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤
ሽዑ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበል፥ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም፥ ነየንኦም ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” እናበሉ ፀለዩ።
ንሞት ዘብፅሕ ዓመፅን ክፍኣትን ገይረ እንተ ኾይነ፥ ሞት ኣይፈረደኒ ኣይብልን። እዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ግና፥ ናብኣቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል የለን፤ ኣነ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ” በለ።
ዘየፍቅረኩም ስለ ዝኾንኩ ድየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ? ከም ዘፍቅረኩምስ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጥ እዩ።
እቲ ንዘለኣለም ቡሩኽ ዝኾነ፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ።
እምበኣር ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ እንፈልጥ፥ ንዅሉ ሰብ ነረድእ ኣለና፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ግሁዳት ኢና፤ ንሕሊናኹምውን፥ ግሁዳት ከም ዝኾንና ተስፋ እገብር።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ።
ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸቶ ዘይረአዮ፥ ክሪኦውን ዘይኽእል፥ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።
ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ነቶም ዝተረፉ ኣእላፋት ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤል መሊሶም ከምዙይ በልዎም፦
ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።
ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።
ዓመፅ፥ ከም ሓጢኣት ጥንቍልና፥ ህልኽ ከዓ፥ ከም ምምላኽ ጣዖትን ተራፊምን እዩ። ንስኻ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንጉስ ከይትኸውን ነዓቐካ”
ኣይትመክሑ፤ ብትዕቢትውን ኣይትናገሩ፤ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ፤ እግዚኣብሄር ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ንግብርታትውን ይመዝን እዩሞ።