17 ሓጢኣት ፌጎርዶ ኣይኣኸለናን እዩ? ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር መዓት ወሪዱ ብሰንኩ ኽሳዕ ሎሚ ኻብቲ ሓጢኣት እቱይ ኣይነፃህናን።
እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ።
ከምቲ ገሊኣቶም ዘመንዘሩ እሞ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝሞቱ፥ ኣይነመንዝር።