13 ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ ለኣኽዎ።
ቅድም ኢሉ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።
ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥
ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ኻብ ኣጓላት ፉትኤል ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንፊንሃስ ወለደትሉ። እዚኣቶም በብቤተ ሰቦም ኣሕሉቕ ኣቦታት ሌዋውያን ነበሩ።
ሓሳብ ብምኽሪ ትፀንዕ፤ ብጥበብ ተመሪሕኻውን ተዋጋእ።
ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ምስ ረአዮ፥ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ወፀ። ኲናት ወሲዱ ኸዓ፥
ሙሴ ኸዓ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ሰብ ወሲዱ ምስ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ውግእ ሰደዶም። ንፊንሃስ ኣቑሑ መቕደስን ምልክት ዝገብረሉ መለኸትን ኣብ ኢዱ ሃቦ።
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን የመና ብዙሓት እንስሳ ነበራኦም። እንሆ ኸዓ፥ ምድሪ ኢያዜርን ምድሪ ገለዓድን ቦታ እንስሳ ኸም ዝኾነ ረአዩ።
“ሓውካ እንተ በደለካ፥ ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኻትኩም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ።
ሽዑ ጠይቑ፤ ብጥንቃቐ ኸዓ መርምሩ። እንሆ ድማ፥ እዝ ነውሪ ነገር እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዝተገብረ፥ ሓቅን ርግፅን እንተ ኾይኑ፥
ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፥ ኣብታ ኣብ ዝባን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ ዝተውሃበት ከተማ፥ ኣብ ገባዖን ከዓ ቐበርዎ።
ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ኵሉ ነገድ ብንያም፦ “እዝ ኣባኻትኩም ዝተፈፀመ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ?
ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ የገልግል ነበረ። “መሊስናዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ክንዋጋእ ክንድይብ ወይ ክንሓድጎም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “ፅባሕ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ እሞ ደይብኩም፥ ተዋግእዎም” በሎም።