12 ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ደዪቦም ምስኣቶም ንምውጋእ ኣብ ሴሎ ተኣከቡ።
ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቐንኡስ፥ ኣነ እምስክረሎም እየ።
ኣብታ ኸተማ ንዝነብሩ ብስሕለት ሰይፊ ፈፂምኩም ወድእዎም፤ ንሳን ኣብኣ ዘለዉ ዅሎምን ነውራማት እዮም እሞ፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ንኸፍታቶምውን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእወን።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።
ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ ለኣኽዎ።
ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብታ ምድሪ ገለዓድ መፂኦም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦
ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም ሹመኛታትን ካብቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዘለውዎ ምድሪ ገለዓድ ናብ ምድሪ ከነዓን ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሱ፤ ነቲ ዝኾነ ነገራት ድማ ነገርዎም።