11 እቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል ከዓ “እንሆ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ምድሪ ከነዓን፥ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም” እንትበሃል ሰምዑ።
እዙይ ኣብቲ ዮሃንስ ዘጥምቐሉ ዝነበረ፥ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤተ ራባ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኮነ።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ማርያም መግደላዊት፥ ገና ፀልማት እንተሎ፥ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መፀት። እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ።
ኣብቲ ስጋ ኢየሱስ ዝነበሮ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ መላእኽቲ፥ ሓደ ብትርኣስ፥ ሓደ ኸዓ ብትርጋፅ ረአየት።
ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ።
እቶም ልኡኻት ንጉስ ምስ ወፁ ኸዓ እቲ ደገ ኸተማ ተሸጐረ፤ ነቶም ሰለልቲ ኽደልዩ ድማ ኽሳዕ እቲ መሳገሪ ዮርዳኖስ ከዱ።
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ከነዓን ምስ መፁ፥ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ዓብዪ መሰውኢ ሰርሑ።
ኵሉ ማሕበር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ከምዙይ ጌርኩም ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕኹም? ከመይ ጌርኩምከ ኻብ እግዚኣብሄር ረሓቕኩም? ሎሚ መሰውኢ ብምስራሕኹም ንኣምላኽ እስራኤል በደልኩም።
እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ዝረኸሰት እንተ መሰለት፥ ናብታ መሕደሪ እግዚኣብሄር ተሰሪሓታ ዘላ ምድሪ እግዚኣብሄር ንዑ፤ ኣብ ማእኸልናውን ርስቲ ውሰዱ፤ ብዘይ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻልእ መሰውኢ ብምስራሕኹም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌናን ኣይተዓምፁ።
ገለዓዳውያን ነተን ደቂ ኤፍሬም ክሳገሩለን ዝኽእሉ መሳገሪታት ፈለግ ዮርዳኖስ ሓዝወን፤ ሓደ ኻብቶም ዝሃደሙ ደቂ ኤፍሬም “ኣሕልፉኒ” እንተ በሎም፥ “ኤፍሬማዊ ዲኻ?” ኢሎም ይጥይቕዎ፤ ንሱ ኣይፋለይን እንተበለ ኸዓ፥