10 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ከነዓን ምስ መፁ፥ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ዓብዪ መሰውኢ ሰርሑ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተርኣዮ እሞ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። ኣብራምውን ነቲ ዝተርኣዮ እግዚኣብሄር፥ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐሉ።
ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴል ዘሎ እምባ ተጕዓዘ፤ ኣብኡ ድማ ድንኳኑ ተኸለ እሞ፥ ቤቴል ብወገን ምዕራቡ፥ ጋይ ከዓ ብወገን ምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርበሉ መሰውኢ ሰርሐ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ፀውዐ።
ያእቆብ ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነታ ተተርኢሱዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ኸም ሓወልቲ ኽትከውን ኣቖማ፤ ኣብ ርእሳ ኸዓ ዘይቲ ኣፍሰሰላ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ሃገር ግብፂ፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽስራሕ እዩ፤ ኣብ ወሰና ኸዓ ንእግዚኣብሄር ዓምዲ ኽትከል እዩ።
እቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል ከዓ “እንሆ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ምድሪ ከነዓን፥ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም” እንትበሃል ሰምዑ።
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ።