9 ስም እተን ካብ ምድሪ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ንሌዋውያን ዝተውሃባ ኸተማታት እዚኣተን እየን፦
ብወገን የማን ኮይኑ ዝመርሕ ዝነበረ ኸዓ ሓዉ ኣሳፍ ነበረ። ንሱ ወዲ በረክያ፥ ወዲ ሺምዓ፥
ስለዙይ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ኣብ ላዕሊ ተሰምየን ዘለዋ ኸተማታት ብዕፃ ሃብዎም።
ኣብ ትሕቲኡ ድማ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምታ መደብ ስራሖም ማዕረ ማዕረ ገይሮም ብእምነት ክዕድሉሉ፥ ዔድን፥ ሚንያሚን፥ ኢያሱ፥ ሸማያ፥ ኣማርያ፥ ሴኬንያ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብተን ካህናት ዝነብሩለን ከተማታት ተሸይሞም ነበሩ።
(ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ዓሌታት ቀዓታውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፥ ቀዳማይ ዕፃ ስለ ዝበፅሖም፥ እተን ከተማታት ንኣኣቶም ተውሃባ።)
ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።
ስለዙይ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፥ እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ መዋፈሪአን ንሌዋውያን ብዕፃ ሃብዎም።