7 ንደቂ ሜራሪውን ከከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት በፅሓኦም።
ንደቂ ጌድሶን ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብታ ኣብ ባሳን ዘላ ነገድ ምናሴን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማ ሃብዎም።
ንደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕፃ ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት ሃብዎም።
ደቂ ሜራሪ ኸዓ ሞሖሊን ሙሲን እዮም። እዚኣቶም በብዓሌቶም ማይ ቤት ሌዊ እዮም።
ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶም፥ ሞሖሊ፥ ሙሲ እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም።
ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።
ስለዙይ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፥ እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ መዋፈሪአን ንሌዋውያን ብዕፃ ሃብዎም።