5 ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም።
ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ።
ኣቢሱ ንቡቂ ወለደ፤ ቡቂ ንኦዚ ወለደ፤ ኦዚ ንዘራእያ ወለደ።
ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀኣት ድማ ኻብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማ ሃብዎም።
ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም።
ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።
ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።