42 ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን ኣብ ዙርያአን ንመጓሰዪ ዝኸውን ከባቢ ነበረን።
እተን ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን መምስ ከባቢአን ኣርብዓን ሸሞንተን እየን።
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሃቦም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ።