41 እተን ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን መምስ ከባቢአን ኣርብዓን ሸሞንተን እየን።
ኵራኣቶም ብርቱዕ፥ ናህሮም ከዓ ጨካን እዩ እሞ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክብትኖም እየ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።”
ከምዙይ ገይሮም ደቂ እስራኤል እተን ከተማታት ምስ መዋፈሪኣተን ንሌዋውያን ሃብዎም።
ንያእቆብ ፍርድታትካ፥ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፥ ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም።
ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኣተንን መዋፈሪአንን ንሌዋውያን ሃብዎም።
ኵለን እዘን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እዚኣተን ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሓኦም እየን።
ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን ኣብ ዙርያአን ንመጓሰዪ ዝኸውን ከባቢ ነበረን።