40 ኵለን እዘን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እዚኣተን ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሓኦም እየን።
ሓሴቦን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኢያዜር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
እተን ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን መምስ ከባቢአን ኣርብዓን ሸሞንተን እየን።
ንደቂ ሜራሪውን ከከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት በፅሓኦም።