Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 21:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 21:4
9 Referencias Cruzadas  

ብወገን የማን ኮይኑ ዝመርሕ ዝነበረ ኸዓ ሓዉ ኣሳፍ ነበረ። ንሱ ወዲ በረክያ፥ ወዲ ሺምዓ፥


ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብዓሌቶም ከምዙይ እዩ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሌዊ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።


እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።


ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም።


ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኣተንን መዋፈሪአንን ንሌዋውያን ሃብዎም።


ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም።


ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፥ ኣብታ ኣብ ዝባን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ ዝተውሃበት ከተማ፥ ኣብ ገባዖን ከዓ ቐበርዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos