35 ዲሞና ምስ መዋፈሪኣ፥ ነህላል ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
እዙይውን፥ ቀጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ይዳላን ቤተልሔምን፥ ዝበሃላ ዅለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
እቶም ዝተረፉ ሌዋውያን፥ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ኻብ ነገድ ዛብሎን፥ ዮቅንዓም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታ ምስ መዋፈሪኣ፥
ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቦሶር ምስ መዋፈሪኣ፥ ያሃፅ ምስ መዋፈሪኣ፥