33 ኵለን እተን ጌድሶናውያን ከከም ዓሌቶም ዝተቐበልወን ከተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ ሰለስተ እየን።
ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገሊላ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ምስ መዋፈሪኣ፥ ሓሞትዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሰለስተ ኸተማታት ተቐበሉ።
እቶም ዝተረፉ ሌዋውያን፥ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ኻብ ነገድ ዛብሎን፥ ዮቅንዓም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታ ምስ መዋፈሪኣ፥
ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።