32 ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገሊላ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ምስ መዋፈሪኣ፥ ሓሞትዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሰለስተ ኸተማታት ተቐበሉ።
ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ እታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስን ሓሞንን ቂርያታይምን መምስ መዋፈሪኣተን።
ንጉስ ቃዴስ፥ ንጉስ ዮቅንዓም ኣብ ቀርሜሎስ፥
እተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ድማ፥ ፂድምን ፄርን ሓማትን ረቃትን ኬኔሬትን፥
ቃዴስን ኤድራይን ዓይንሓፆርን፥
ስለዙይውን ኣብ ኰረብታታት ንፍታሌም ነታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስ፥ ኣብ ኰረብታ ኤፍሬም ድማ ሴኬም፥ ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ኸዓ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን ፈለዩ።
ሔልቃት ምስ መዋፈሪኣ፥ ረኣብ ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
ኵለን እተን ጌድሶናውያን ከከም ዓሌቶም ዝተቐበልወን ከተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ ሰለስተ እየን።
ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ።