3 ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኣተንን መዋፈሪአንን ንሌዋውያን ሃብዎም።
ኵራኣቶም ብርቱዕ፥ ናህሮም ከዓ ጨካን እዩ እሞ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክብትኖም እየ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።”
እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት፥ ኵለን ኣርብዓን ሸሞንተን ከተማታት፥ መምስ ከባቢአን ይኹና።
ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም።
ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።
እተን ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን መምስ ከባቢአን ኣርብዓን ሸሞንተን እየን።