27 እቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ጐላን ምስ መዋፈሪኣን ቤዔሽትራ ምስ መዋፈሪኣን ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።
ወዲ ሞሖሊ፥ ወዲ ሙሲ፥ ወዲ ሜራሪ፥ ወዲ ሌዊ እዮም።
ደቂ ጌድሶን እዘን ዝስዕባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ፦ ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፥ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላንን ኣስታሮትን መምስ መዋፈሪኣተን።
እዙይ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ኣስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ዝኾነ እዩ።
እተን ከተማታት ድማ፦ ንደቂ ሮቤል ነታ ደጕዓ ኣብ ዝኾነ ምድረ በዳ ዘላ ቦሶር፥ ንደቂ ጋድ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ንደቂ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ነበራ።
ካብ ምድሪ ነገድ ሮቤል ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ምብራቕ ኢያሪኮ እታ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ጐልጐል ዘላ በሶር፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላን ፈለዩ።
ኵለን እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ እየን።
ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂስን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳብራት ምስ መዋፈሪኣ፥
ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።