26 ኵለን እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ እየን።
ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ታዕናክ ምስ መዋፈሪኣን፥ ጌት ሪሞን ምስ መዋፈሪኣን፥ ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።
እቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ጐላን ምስ መዋፈሪኣን ቤዔሽትራ ምስ መዋፈሪኣን ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።
ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም።