20 ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ሌዋውያን፥ ካብ ነገድ ኤፍሬም ብዕፃ ዝበፅሓኦም ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን፦
ኣቢሱ ንቡቂ ወለደ፤ ቡቂ ንኦዚ ወለደ፤ ኦዚ ንዘራእያ ወለደ።
ንገሊኣቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀኣት ከዓ ኻብ ምድሪ ነገድ ኤፍሬም ከተማታት ብፅሒት ነበሮም።
ድምር እተን ንኻህናት ደቂ ኣሮን ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪአን ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ።
ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም።