2 ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም።
ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና፥ ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸፊሎም ክመልስወን ይኽእሉ እዮም።
ከምኡ ኸዓ ስንቂ ንመንገዲ፥ ወይ ክልተ ኽዳን፥ ወይ ኣሳእን፥ ወይ በትሪ ኣይትሓዙ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ።
እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።
ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ፤ ነታ ምድሪ እውን ተማቐልዋ።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።
ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኣተንን መዋፈሪአንን ንሌዋውያን ሃብዎም።