1 ኣቦታት ዓሌት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌን ናብ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀረቡ።
ኵራኣቶም ብርቱዕ፥ ናህሮም ከዓ ጨካን እዩ እሞ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክብትኖም እየ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።”
ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም።
ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ኻብ ኣጓላት ፉትኤል ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንፊንሃስ ወለደትሉ። እዚኣቶም በብቤተ ሰቦም ኣሕሉቕ ኣቦታት ሌዋውያን ነበሩ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ መንፅር ኢያሪኮ፥ ከምዙይ በሎ፦
እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፥ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፥ ካብቶም ውሑድ ዘለዎም ውሑድ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እቲ ዝወርሶ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ።
እቲ ኻህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እቶም ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘካፈልዎም፥ እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝወረስወን፥ እዚኣተን እየን፦
ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕን ቀሪበን “እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእኸል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ። ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።
ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሴሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም፥ ብዕፃ ዝተማቐልዎ ርስትታት እዙይ እዩ። ምምቓል እታ ምድሪ ኸዓ ብኸምዙይ ተፈፀመ።