9 እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ባዕድን፥ እቲ ብዘይ ምፍላጥ፥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ደው ክሳዕ ዝብል፥ ብኢድ ፈዳዪ ደም ከይመውት፥ ክሃድመለን ዝተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።
እተን መዕቘቢ ክኾናኹም እትህብወን ከተማታት ሽዱሽተ ይኹና።
ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ እስራኤላዊ ወይ ጓና ወይ ምስኣቶም ዝነብር ስደተኛ ናብኣተን ምእንቲ ኽሃድም፥ እዘን ሽዱሽተ ኸተማታት እዚኣተን መዕቘቢ ይኹና።
እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ይህደም፤ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸዓ፥ እቲ ዝገበሮ ነቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ እቲኣ ይንገሮም። ንሳቶም ከዓ ናብታ ኸተማ የእትውዎ፤ ዝቕመጠሉ ቦታ ድማ ይሃብዎ።
ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ንፍርዲ ኽሳዕ ዝቐውምን፥ እቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውትን ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ናብታ ገዲፍዋ ዝሃደመ ኸተማኡ ተመሊሱ ናብ ገዛኡ ይእቶ በሎ።
ካብ ምድሪ ነገድ ሮቤል ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ምብራቕ ኢያሪኮ እታ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ጐልጐል ዘላ በሶር፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላን ፈለዩ።