Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 20:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ካብ ምድሪ ነገድ ሮቤል ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ምብራቕ ኢያሪኮ እታ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ጐልጐል ዘላ በሶር፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላን ፈለዩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 20:8
12 Referencias Cruzadas  

ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ነቢያት ኣኪቡ “ንሬማት ዘገለዓድ ክዋግኣ ክኸይድዶ ወይ ክተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩሞ ውፃእ” በልዎ።


ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኮይኑ ድማ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። ንጉስ ኢዮራም ድማ ኣብኡ ብሶርያውያን ተወግአ።


ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከዓ፥ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ ቦሶርን ያሳን፥


ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራማትን ገለዓድን መሓናይምን፥


ኵሉ እቲ ንጉስ ዓግ ዝገዝኦ ናይ ባሳን ምድሪ ሓዝናዮ፤ ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታትን ናይ ገለዓድን ናይ ባሳንን ክፍለ ሃገር ክሳዕ ከተማታት ሰልካናን ኤድራይን ሓዝናየን።


እተን ከተማታት ድማ፦ ንደቂ ሮቤል ነታ ደጕዓ ኣብ ዝኾነ ምድረ በዳ ዘላ ቦሶር፥ ንደቂ ጋድ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ንደቂ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ነበራ።


ስለዙይውን ኣብ ኰረብታታት ንፍታሌም ነታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስ፥ ኣብ ኰረብታ ኤፍሬም ድማ ሴኬም፥ ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ኸዓ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን ፈለዩ።


እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ባዕድን፥ እቲ ብዘይ ምፍላጥ፥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ደው ክሳዕ ዝብል፥ ብኢድ ፈዳዪ ደም ከይመውት፥ ክሃድመለን ዝተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።


እቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ጐላን ምስ መዋፈሪኣን ቤዔሽትራ ምስ መዋፈሪኣን ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።


ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቦሶር ምስ መዋፈሪኣ፥ ያሃፅ ምስ መዋፈሪኣ፥


ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ራሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ መሃናይም ምስ መዋፈሪኣ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos