4 እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ይህደም፤ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸዓ፥ እቲ ዝገበሮ ነቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ እቲኣ ይንገሮም። ንሳቶም ከዓ ናብታ ኸተማ የእትውዎ፤ ዝቕመጠሉ ቦታ ድማ ይሃብዎ።
ናብ በሪ እታ ኸተማ ኽወፅእ እንተለኹ፥ ኣብ ኣደባባይ መንበረይ ከንብር እንተለኹ፥
ደቁ ኻብ ድሕነት ርሒቖም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ በሪ ተረጊፆም፥ ዘናግፎምውን የለን።
ንነፍሰይ ምስ ሓጥኣን፥ ንህይወተይውን ምስ ናይ ደም ሰባት ኣይተጥፍኣያ።
ሰብኣያ ኣብ ባይቶ ኣብ ማእኸል ዓበይቲ ዓዲ እንትቕመጥ ክቡር እዩ።
እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥
እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።