8 እቶም ሰለልቲ ገና እንተይደቀሱ፥ እታ ሰበይቲ ናብኣቶም ናብ ናሕሲ ደየበት።
ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ገዛኣ ኣደዪባ፥ ኣብቲ ኣብኡ ተዀሚሩ ዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓቢኣቶም ነበረት።
እቶም ልኡኻት ንጉስ ምስ ወፁ ኸዓ እቲ ደገ ኸተማ ተሸጐረ፤ ነቶም ሰለልቲ ኽደልዩ ድማ ኽሳዕ እቲ መሳገሪ ዮርዳኖስ ከዱ።
“እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፈሊጠ ኣለኹ። ካባኻትኩም ዝተልዓለ ድማ ኣብ ልዕሌና ፍርሒ ሓዲሩና ኣሎ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኸዓ ኣብ ቅድሜኹም ብፍርሓት ልቦም መኺኹ ኣሎ።
እቲ ኣዳራሽ ድማ ብሰብኡትን ኣንስትን መሊኡ ነበረ። እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያንውን ኵሎም ኣብኡ ነበሩ። ሶምሶን ክፃወት እንተሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኾይኖም ዝሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ።