Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 2:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 እቲ ኣፍ ደገ እንትዕፆን እንትፅልምትን ወፂኦም ከዱ፤ ናበይ ከም ዝኸዱ ግና ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ተኸተልዎም፤ ክተርክብዎምውን ኢኹም” በለቶም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 2:5
11 Referencias Cruzadas  

ስለዙይ ድሮ ሰንበት ነተን ደገታት ኢየሩሳሌም ዋግዋጎ ምስ ኮነ፥ ክዓፅዉወን ኣዘዝኩ፤ ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከዓ ኸይኸፍትወን ኣዘዝኩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ዝኾነ ሸኽሚ ኸይኣቱ፥ ካብ ሓሻኽረይ ኣብ ብዙሕ በርታት ኣቖምኩ።


ሰባት ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኸምፅኡልኪ፥ ነገስታቶም ድማ ተዓጂቦም ክኣትዉኽስ፥ ደገታትኪ ዅልሻዕ ኽፉት ክኸውን እምበር፥ ለይትን መዓልትን ኣይዕፆን እዩ።


ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።”


ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”


እታ ሰበይቲ ግና ነቶም ክልተ ሰባት ወሲዳ ሓብአቶም፤ ከምዙይ ኢላ ድማ መለሰት፦ “እወ፥ ሰባት ናብ ገዛይ ኣትዮም ነይሮም፤ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን።


ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ገዛኣ ኣደዪባ፥ ኣብቲ ኣብኡ ተዀሚሩ ዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓቢኣቶም ነበረት።


እቶም ልኡኻት ንጉስ ምስ ወፁ ኸዓ እቲ ደገ ኸተማ ተሸጐረ፤ ነቶም ሰለልቲ ኽደልዩ ድማ ኽሳዕ እቲ መሳገሪ ዮርዳኖስ ከዱ።


ኣብኣ ለይቲ ዝበሃል ስለ ዘየለ፥ ኣፍ ደጌታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይዕፀዉን እዮም።


ሳኦል ንዳዊት ከምፅእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፥ ሜልኮል “ዳዊት ሓሚሙ እዩ ዘሎ” በለቶም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos