4 እታ ሰበይቲ ግና ነቶም ክልተ ሰባት ወሲዳ ሓብአቶም፤ ከምዙይ ኢላ ድማ መለሰት፦ “እወ፥ ሰባት ናብ ገዛይ ኣትዮም ነይሮም፤ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን።
ሽዑ ኤልሳዕ “መንገዲ ተጋጊኹም፥ እታ ኸተማ ኸዓ እዚኣ ኣይኮነትን። ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምስ ደድሕረይ ሰዓቡ” በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ መርሖም።
እተን መዋለድቲ ኸዓ ንፈርዖን “እተን ዕብራውያት ከም ኣንስቲ ግብፃውያት ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን። እተን መዋለድቲ እንተይመፃአን ወሊደን እየን ዝፀንሓ” በላኦ።
ከምኡ ኸዓ እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መንገዲውን ምስ ኣውፅአቶም፥ ብተግባርዶ ኣይፀደቐትን?
ንጉስ ኢያሪኮ ድማ “እዞም ናባኺ ዝመፁ ናብ ገዛኺውን ዝኣተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ክስልሉ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ኣውፅኢዮም” ኢሉ ናብ ረኣብ ለኣኸ።
እቲ ኣፍ ደገ እንትዕፆን እንትፅልምትን ወፂኦም ከዱ፤ ናበይ ከም ዝኸዱ ግና ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ተኸተልዎም፤ ክተርክብዎምውን ኢኹም” በለቶም።
እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕሩም ይኹን። እታ ኣመንዝራ ረኣብ ጥራሕ ነቶም ዝሰደድናዮም ሰለልቲ ስለ ዝሓብአቶም፥ ንሳን ኣብ ገዛኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይንበሩ።
እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ንኢያሪኮ ኽስልሉ ኢያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብአቶም፥ ኢያሱ ንኣኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደጎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብ ማእኸል እስራኤላውያን ትነብር ኣላ።