22 ንሳቶም ከዓ ወፂኦም ናብቲ ጎቦታት ከዱ፤ እቶም ዝደልይዎም ዝነበሩ ልኡኻት ንጉስ ቀቢፆም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፤ እቶም ዝደለይዎም ሰባትውን ደልዮም ኣይረኸብዎምን።
ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት፥ መፂኦም ነታ ሰበይቲ “ኣኪማኣስን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ?” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ “ከይዶም ሩባ ተሳጊሮም” በለቶም። ንሳቶም ከዓ ደለይዎም፤ ምስ ሰኣንዎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
ንሳ ኸዓ “ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን” ኢላ ኣፋነወቶም፤ ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኮት ኣንጠልጠለቶ።
እቶም ክልተ ሰለልቲ ድማ፥ ካብቲ ጎቦታት ወረዱሞ፥ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፁ፤ እቲ ዅሉ ዘጋጠሞምውን ነገርዎ።