21 ንሳ ኸዓ “ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን” ኢላ ኣፋነወቶም፤ ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኮት ኣንጠልጠለቶ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
“ኵሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዝፍፅም፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዝሰርሐ፥ ለባም ሰብ ይመስል።
እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም።
ንስኺ ድማ ኸምዙይ ግበሪ፦ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ እንተለና፥ ነዝ ቐይሕ ገመድ እዙይ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ንኖኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺ እውን ናብዙይ ናብ ገዛኺ ኣክቢዮም።
ተግባርና እንተ ገሊፅኪ ግና፥ ካብዝ ዘምሓልክና ማሕላ ንፁሃን ኢና” በልዋ።
ንሳቶም ከዓ ወፂኦም ናብቲ ጎቦታት ከዱ፤ እቶም ዝደልይዎም ዝነበሩ ልኡኻት ንጉስ ቀቢፆም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፤ እቶም ዝደለይዎም ሰባትውን ደልዮም ኣይረኸብዎምን።